ብመሰረት ውድብ ኢንዱስትሪ ስዊድኤነርጂ ዘዳለዎ ስታቲስቲክስ ኣብ 2019 ሽወደን ክብረ ወሰን ሰደድ ኤለክትሪክ ናብ ጐረባብቲ ሃገር ፈጺማ። ዓሚ 50% ዝነበረ ኮይኑ ምስ ቅድሚ ዓሚ ዝነበረ እንክነጻጸር 15 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ምህርቲ ጸዓት ኤለክትሪክ ምዃኑ ተመልኪቱ።
ሽወደን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ኤለክትሪክ ካብ እትልእከሉ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ኣብ ፊንላንድ ተሓሲቡ ዝነበረ ጸዓት ኑክሌር ናይ ምትካል መደብ ብምድንጓዩን ኣብ ኖርዌይ ዘሎ ዕቋር ጸዓት ብምድካሙን እዩ ተባሂሉ’ሎ።