ኣብ ዓለም እተን ክትነብረን ኣዝየብ ዝመችኣ ከተማታት ብመሰረት ጸብጻብ 2020 ርእሰ ከተማ ዴንማርክ ኮፐንሃገንን ከምኡ’ውን ናይ ስዊትዘርላንድ መዲና በርን እየን። እዘን ክልተ ከተማታት ኣብ መንጐ ብዙሕ ረቛሒታት ትሑት መጠን ገበንን ንጹህ ኣየርን ዘለወን እየን። ኣህጉኡራዊ ኣማኻሪ ኲባንያ ECA ዓመታዊ 490 ከተማታት ብመንጽር ኣገልግሎት ጥዕና፥ ኣባይቲን ጸጥታን ብምውድዳር ኣየኖት ከተማታት እየን ንኽትነብረለን ዝምችኣ ዝብል ጸብጻብ ከም ዘውጽእ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብዚ ጸብጻብ መበል 9ይ ዮቶበሪ ስቶክሆልም ኸኣ መበል 19 ተሰሪዐን ኣለዋ። ሃገራት ሰሜን ኣውሮጳ ማለት መዲናታት ሃገራት ስካንዲናቭያ ብሓፈሻ ዝለዓለ ቦታ እናሓዛ ንሓያሎ ዓመታት ክመጻ ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ። ንኡድ ናይ መጓዓዝያ መርበብ ዘራኽበን ከተማታት፥ ኣዝዩ ጽቡቕ ናይ ሕክምና ኣገልግሎትን ንነዊሕ ግዜያት ዝዝርጋሕ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ካብ ካልእ ክፋላት ኣውሮጳ ንዝመጹ ሰራሕተኛታት ሰሓቢ ረቛሒ ምዃኑ ኣብ ECA international ሲንዬር ተንታኒ ደረጃታት ኒል ኣሽማን ይገልጽ።
እተን ዝበልጻ ከተማታት እዘን ዝስዕባ እየን።
- 1. Köpenhamn – Danmark
- 1. Bern – Schweiz
- 3. Haag – Nederländerna
- 3. Geneve – Schweiz
- 5. Eindhoven – Nederländerna
- 5. Stavanger – Norge
- 7. Amsterdam – Nederländerna
- 7. Basel – Schweiz
- 9. Dublin – Irland
- 9. Luxemburg – Luxemburg
- 9. Göteborg – Sverige
- 12. Aarhus – Danmark
- 12. Rotterdam – Nederländerna
- 14. Zurich – Schweiz
- 15. Bonn – Tyskland
- 15. München – Tyskland
- 17. Wien – Österrike
- 17. Hamburg – Tyskland
- 19. Stockholm – Sverige
- 19. Edinburgh – Skottland
Källa: ECA International. Flera städer delar placering.