ምስ ወርሓ ጥሪ ብምውድዳር፡ ኣብ ለካቲት ዋጋ መግቢ ብ 2.5% ምውሳኹ ካብ መርበብ ሓበሬታ Matpriskollen እተረኽበ
ኣሃዛት ኣመልኪቱ። “ማትፕሪስኮለን” ዋጋ ዕዳጋ ዘጻሪ ዘይሻራዊ ምንጪ ሓበሬታ እዩ።
ኣብ 2015 ካብ እትቐውም ንደሓር ዝተራእየ ዝዓበየ ወርሓዊ ወሰኽ ዋጋ መግቢ ምዃኑ እታ መርበብ ሓበሬታ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።
"ዋጋ መግቢ ቆልዑ ብ ማእከላይ ገምጋም ብ 5% ወሲኹ’ሎ” ብመሰረት ዋና ኣካላዲ ስራሕ ማትፕሪስኮለን ኡልፍ ማዙር።