ምስ ካልኦት ኣዋርሕ ብምንጽጻር ኣብ መንበሪ ኣባይቲን ገዛውቲ ቪላን ስቶክሆልን ዓብዪ ምጒዳል ከም እተመዝገበ ተገሊጹ። ብመሰረት ኲባንያ ኣባይቲ SBAB ከምኡ’ውን ቡሊ ዘውጽኦ ስታቲስቲክስ ዋጋ ኣባይቲ ናይ 3.8% ምጒዳል ዋጋ ኣርእዩ’ሎ። ለበዳ ኮሮና ኣብ ዕዳጋ ኣባይቲ ዘምጽኦ ምጒዳል ኣብ ስቶክሆልም እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ድማ’ዩ ዝንገር ዘሎ። ብፍላይ ምስፍሕፋሕ እዚ ሕማም ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ከም ማእከላይ ሽወደን ዝመሰሉ ከባቢታት ዋጋ ኣባይቲ ብዙሕ እዩ ምጒዳል ዋጋ ኣርእዩ ክብል ኣብ SBAB ዋና ክኢላ ስነቚጠባ ሮበርት ቦይዥ ይገልጽ።
እቲ ቀንዲ ዘተሓሳስብ ግና ንሓዋሩ ከመይ ክኸውን እዩ ዝብል እዩ ይብል ቦይዝ። ምኽንያቱ እዚ ኮሮና ኣስዒብዎ ዘሎ ግዜያዊ ምጉኡዳል ዋጋ ኣባይትን ምውሳኽ ሽቕለት ኣልቦነትን ንዋጋ ኣዝዩ ኣይትንክፎን እዩ ክብል ድማ የብህር። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን ኣዝዩ ትሑት መጠን ወለድ እዩ ዘሎና። እዚ ቅልውላው ኮሮና ተጋዲዱ ኣብ ፋይናንሳዊ ዕዳጋ ሻቕላ እንተፈጢሩን ንሽቕለት ኣልቦነት እንተ ኣንሂርዎን ጽንክር ዝበለ ኲነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ ክብል ድማ ስግኣቱ ገሊጹ’ሎ።