ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ካልማር–ደቡባዊ ሽወደን ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ጸለምቲ ሮብራ (gulls) ሞይቶም ተረኺቦም።
ምኽንያት ቅዝፈት እዞም ሮብራ ምልባዕ ጒንፋዕ ኣዕዋፍ H5N1 እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ እውን ተመሳሳሊ
ምልባዕ እዚ ቫይረስ ብምኽሳቱ፥ ኣብ ሶልና ስሜን ሽወደን ኣብ ዝርከብ ቀላይ ራስታስዮን ኣማኢት ሮብራ ምሟቶም ዝዝከር እዩ።
እዚ ሕማም ናብ ሰባት ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎኡ ኣዝዩ ትሑት እዩ ዝበለት ኣብ ትካል ሃገራዊ ጥዕና እንስሳ ሽወደን ክኢላ ለበዳ
እንስሳታት ማሊን ግራንት እዚ ቫይረስ ምስ ኣዕዋፍ ኣዝዩ ዝረዓመ ብምዃኑ፥ ናብ ሰብ ክላባዕ እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘየለ
ወሲኹ ገሊጻ’ላ። እንተኾነ ግና ሰባት ናብዘን ኣዕዋፍ ሮብራ ካብ ምቕራብ ክቚጠቡ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ’ሎ።