ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ኣብያተ ሕክምና ንዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ዝዉዕል፣ እቲ ኣብ እዋን ሓደጋን ቅልዉላዉን ዘገልግል ስርዓተ ደሞዝን ምዉሳኽ ሰዓታት ስራሕን ከታኣታቱ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣማኻሪት ፋይናንስ ዞባ ኢሪነ ስቨኖንዬስ ብሓሙስ ምሸት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ እዚ ውሳነ ብምሉእ ድምጺ ምሕላፉ ገሊጻ። ንሳ ህይወት ንምድሓን ዘርኣናዮ ናይ ሓድነት መንፈስ ዘሐብን እዩ። ስለዚ ድማ እቲ ዝተገብረ ስምምዕ ክበራበር ንኽሰርሓን ኣብ ስሙን 48 ሰዓታት ንኽዓያን ናብ ዞባታት መልእኽቲ ክንሰድድ ኢና ድማ ኢላ።
እቲ ምምሕዳር ከተማ ሰዓታት ስራሕ ብምዉሳኽ ዝላዓለ ደሞዝ ክኸፍል ዘኽእሎ ስርዓት ክፍቀዶ ዘኽእሎ ቅድመ ኩነት ኣማሊኡ ከምዘሎ ይንገር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣብ ማእክል ኤግዚቪሽን ኤልቭሾ ሜሳን ክትከል ዝጸንሐ ግዚያዊ ሆስፒታል ብሕጹጽ ክኽፈት ከምዝተወሰነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ተወሳኺ ምምዕባል ዓቕሚ ጽዕቕ ክንክን ሕክምና ክሳብ መፋርቕ ሚያዝያ ኣብ ተግባር ክውዕል ሙዃኑን ኣብ መወዳእታ ሕጽረት ዓቕሚን ጽንኲር ኲነትትን ምህላዉን ካብዚ ዘለናዮ ብህጹጽ ኩነታት ብዕጽፈታት ክንሰርሕ ከምዝግባኣናን ንግንዘብ ኢና ኢላ።