ፖሊስ ከተማ ለንደን ኣብ ሓንቲ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ሬሳ 39 ሰባት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ። ንሶም ብተወሳኪ እዞም ሰባት ካብ ቡልጋርያ ዝተበገሱ ኮይኖም ነዛ መኪና መርሒዋ ዝነብረ ወዲ 25 ዓመት ዝኾነ ተወላዲ ሰሜን ኣየር ላንድ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ከምዘእተዉዎ ገሊጾም።
እዞም ግዳይት ኣብ ከባቢ ናይ ኢንዳስትሪ ከተማ ግሪዝ ዝተባህለ ምስራቓዊ ቦታ ለንደን እዮም ተረኺቦም ክብል ኢሳክስ ፖሊስ እዛ ከተማ ብምግላጽ እዛ መኪና ቀዳም ምሽት ከምዝኣተወትን መንነት እዞም ግዳይ ንምፍላጥ ንውሕ ዝበለ መርመራ ከምዝግበሩ እዮም ዝሕብሩ።