መግቢ ምብላዕ
ንኣመጋግባኺ ጠመተ ሃቢ።
- ጥዑይ ኣመጋግባ ተመገቢ: ብዙሕ ፍራፍረ፣ ኣሕምልቲን ጥራምረን (ድንሽን ሕምባሻን) ናይ ጸባ ውጽኢታት (ጸባ፣ ፎርማጆ);
- ኣብ ቁሩብ ግዜ ብዙሕ ኣብ ክንዲ ምብላዕ ብዙሕ ግዚ ኣብ መዓልቲ በብንእሽተይ ብልዒ (ብቐሊሉ ይሓቀልኪ);
ገለ መግቢታት፣ ሓመድ፣ ከምኡድማ ግዛይምዕዛይ፣ ነቲ ዕሸል (ናይ ቶክሶፕላስሞሲስን ሊስተርያን ረኽሲ ስግኣተ-ሓደጋ) ሓደገኛታት ዝኾኑ ጀርምታት ክህልዉዎም ይኽእሉ እዮም:
- ጥረ እንቋቑሖ ኣይትብልዒ;
- ጥረ ወይከኣ ዝተለብለበ ዓሳ ኣይትብልዒ;
- ጥረ ወይከኣ ሞንንጓመንጎ ዝኾነ ስጋ ኣይትብልዒ። ጥረ ስጋ ድሕሪ ምምታርኪ ኣእዳውኪ ተሓጸቢ;
- ካብ ሱፐርማርኬት (ፓስቸራላይዝድ ዘይኮነ ከይትጥቀሚ) ዝተዓደገ ፎርማጆ ብልዒ ከምኡድማ ጸባ ስተዪ;
- ጥረ ፍሩታታትን ኣሕምልቲን ኣጸቢቕኪ ሕጸቢ;
- ኣብ ጀርዲን እንድሕር ትሰርሒ ጓንቲ ግበሪ ወይከኣ ነቲ cat box ኣጽርዪዮ። ድሕሪኡ ኣእዳውኪ ተሓጸቢ።
ምስታይ
- እኹል ማይ ስተዪ (ኩሉ መዓልቲ ካብ1.5 ክሳዕ 2 ሊትሮ)።
- ኣዝዩ ብዙሕ ቡን፣ ሻሂ ወይ ኮላ ኣይትሰተዪ።
- ኣልኮል ኣይትስተዪ።
ኣፋውስ፣ ዕጸ-ፋርሳትን ቪታሚናትን
- ንመሕረሲትኪ፣ ንናይ ምህጸን ሓኪም ወይከኣ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከይሓተት ዋላሓንቲ መድሓኒት ከይትወስዲ።
- ኣይተትክኺ።
- ዕጸ-ፋርሳት ኣይትውሰዲ።
- ኣብተን ናይ መጀመርያ 3 ናይ ጥንሲ ኣዋርሕ “ፎሊክ ኣሲድ” ዝበሃል ቪታሚን ውሰዲ። ንሱ ንምውሳድ ንመሕረሲትኪ ወይከኣ ንናይ ማህጸን ሓኪምኪ ሕተቲ። ክትጠንሲ ምስሓሰብኪ ንሱ ምውሳድ ክትጅምሪ ትኽእሊ ኢኺ።ካብ እንዳ ቐማሚ ወይከኣ ካብ ቤት-መድሓኒት ክትዕድግዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ስፖርታዊ ንጥፈትን ንደገ ምውጻእን
- ንጥፍቲ ኩኒ: ብእግርኺ ተወሳወሲ፣ ብሽክሌታ ዘውሪ፣ ሓምብሲ፣ ወዘተ።
- ክደኽመኪ እንከሎ ኣዕርፊ።
- ጸሓይ ኣይትወቕዒ።
ናብ መሕረሲት ኬድኪ ተመርመሪ
ጥንስቲ ምዃንኪ ምስፈለጥኪ ቀልጢፍኪ ኣብ ከባቢኺ ናብ እትርከብ መሕረሲት ኪዲ። እታ መሕረሲት ጥንስኺ ከተረጋጸልኪ እያ። ጥንስቲ እንተኾንኪ፣ እታ መሕረሲት ወይከኣ እቲ ናይ ማህጸን ሓኪም ኣብ ሙሉእ ከይዲ ጥንስኺ ንዓኺን ነቲ ጥንሲን ክትትል ክብሩልኩም እዮም።1
ምንጪ : zanzu.nl