ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶባት ምስ ምኽፋቱ ካብ ሽወደን ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዑደት ናይ ምግባር ባህጊ ምውሳኹ ተገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣብ 10 ሃገራት ኣውሮጳ እንተላይ ስፔይን፥ ኢጣልያን ፈረንሳን ኣንቢርዎ ዝጸንሐ እገዳ ጉዕዞ ካብ 30 ሰነ ከም ዘልዕሎ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ሓበሬታ ካብ ዝወጸሉ ግዜ ንደሓር ኩባንያታት ጉዕዞ ብሓዛእቲ ተጨኒቐን ምህላወንን ተመልኪቱ።
ይኹንምበር እዘን እገዳአን ክለዓለለን ምዃኑ እተነግረ ሃገራት ሕጂ’ውን ካብ ለበዳ እዚ ሕማም ከም ዘይተናገፋ ዝፍለጥ እዩ። ተጋዓዝቲ እንታይ እንተገበሩ እዩ ዝሓይሽ ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ድማ ዘይተርፍ እዩ።
ዝኾነ ኣብ ጉዕዞ እናሃለወ ዝሓምም ዜጋ ካርድ መድሕን ጥዕና ኣውሮጳ ብምጥቃም ግቡእ ክንክን ምርካብ ይኽእል እዩ። እዚ ካርድ ኣብ ግዜ ኮሮና እውን ተጠቃምነት ኣለዎ ክብል SVT ሓቢሩ’ሎ። እዚ ካርድ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ብግቡእ እዩ ዝሰርሕ ክብል ካብ ምወላ ማሕበራዊ ድሕነት ዮናታን ኦለን ይሕብር።
በዚ ኣገባብ ሓደ ተሓካማይ ዜጋ ናይታ ሃገር ዝኸፍሎ መጠን በቲ ካርዱ ክኸፍል ይኽእል እዩ።
ካርድ ዘይብሉ ዜጋ ድማ ገንዘቡ ዝምለሰሉ ሕክምና ብቅብሊት ከካይድ ይኽእል እዩ ክብል ኦሌና ወሲኹ ኣረዲኡ።
ብመሰረት መምርሒታት ሽወደን ዝኾነ ምልክታት እዚ ሕማም ዘርኣየ ዜጋ ካልኦት ሰባት ንኸይልክም ኣብ ቤቱ ክጸንሕ እዩ ዝመክር።
ኣብ ወጻኢ እናሃለወ ብዛዕባ ዝሓምም ሰብ ግና ዛጊት ዝኾነ መምርሒታት ኣየውጻእናን ዘሎና ክትብል በዓልቲ መዚ ፕረስ ህዝባዊ ጥዕና ፓሜላ ኤንግስትሮም ትሕብር። ኣብ ወጻኢ እንከለዉ ንዝሓመሙ ዜጋታት ናብ ሽወደን ናይ ምምላስ ኣገባብ ከም ዘየሎ ዝሓበረት ፓርኔላ፡ ዝሓመሙ ሰባት ናይ ድሕነት ኩባንያኦም ምውካስን መምርሒታት እታ ዝገሹላ ሃገር ምስዓብን እቲ ዝሓሸ ኣገባብ ምዃኑ ብትሪ ገሊጻ።