ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፥ ኣብ ኤስኪልስቱን ብዙሕ ናይ ብረት መጥቃዕቲታት ከም እተፈጸመ ተገሊጹ። ከም መቐጸልታ ናይዚ
መጥቃዕቲታት፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 18 ዝዕድሜኡ መንእሰይ ብጥይት ተወቒዑ ተቐቲሉ እዩ። ነዚ ኣሸጋሪ ጸጥታዊ ኲነታት
ንምቕያር ዝተፈላለየ ጻዕርታት ይካየዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።
መንእሰያት ናብዞም ጒጅለታት ጎነጽን ገበንን ከይጽንበሩ ንምዕጋት፥ ምምሕዳር ከተማ፡ ማእከላት ቢዝነስን ተራድኦታትን ምስ
መንእሰያት ብሓባር ይሰርሓ ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።