ሎሚ ዓርቢ ሰዓት 3 ወጋሕታ፡ ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ፡ ኣብ ኣፍደገ ዓቢ መስጊድ ስቶክሆሎም፡ ጽሑፍ ዝሓዘ ዘይተፈልጠ ነገር ኣቐሚጡ ከምዝኸደ፡ ኣብቲ ከባቢ ተተኺሉ ዘሎ ካሚራ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ከባቢ ሰዓት 6 ንግሆ፡ ሓላፊ ምምሕዳር’ቲ መስጊድ፡ በቲ ከባቢ ኣብ ዝሓልፈሉ ዝነበረ እዋን፡ ነቲ ሰለስተ ገመድ ኤሌክትሪክ ናብ ማዕጾ’ቲ መስጊድ ዘልገበ ነገር ምስ ረኣየ ተቐላጢፉ ናብ ፖሊስ ብምድዋል፡ ድሕሪ ቅሩብ እዋን፡ ፖሊስ፡ ነቲ ከባቢ ሓጺሮም፡ ብኣሃዱ ምጽራይ ነቶግቲ ኣቢሉ፡ ነቲ ዘይተፈልጠ ነገር ምስ ፈተሾ፡ ዘስግእ ነገር ከምዘይኮነ ኣረጋጊጹ። ብድሕሪኡ እቲ መስጊድ ንኣገልግሎት ክፉት ኮይኑ።
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ሕሉፍ የማናውያን፡ ብጽሑፍ ኣቢሎም፡ እስልምና ኣብ ሽወደን ቦታ የብሉን፡ ኣስላም ካብ ሽወደን ውጹ፡ እስልምና ግብረ ሽበራ እዩ ዝብሉ ክልጥፉ ከምዝጸንሑ ሓላፊ ምምሕዳር’ቲ መስጊድ ሓቢሩ።