ኣሽሓት ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ፡ ንሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎም ድጋፍ ንምግላጽ፡ ኣብ ኣደባባይ መስቀል፡ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።
ንዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ኲናት ክካይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ሰልፈኛታት ንሰራዊት ኢትዮጵያ ዝንእድን ንህወሓት ዝዂንን ጭርሖታት ጸይሮም ከም እተራእዩ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። ኣብ ትግራይን ጐርባብቲ ክልላትን ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣሽሓት ሰባት ይሃድሙ ምህላዎም ጸብጻባት የመልክቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ብዝተላብዐ ግጭት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ኣባይቶም ከም ኣተፈናቐሉ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት፡ ኲናት ትግራይ ናብ ክልል ዓፋር ብምስግጋር ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ሓይልታት ዝተፈላለያ ክልላትን ኲናት ይቕጽል ምህላዉ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ በዚ ምኽንያት፡ ካብ ክልል ዓፋር፡ ኣሽሓት ሰባት ካብ ዓዶም ከም ዝሃደሙ ኣመልኪቱ። እቶም ተቐማጦ ብርክት ዝበለ ሰላማዊ ህዝቢ ግዳይ ከም ዝኾነ ገሊጾም ኣለዉ። እንተኾነ ግና ኣፈኛ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ንዝኾነ ስቪል ከም ዘየጥቅዐ ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ረድኤት ጽዒነን ናብ ክልል ትግራይ ዝጓዓዛ ዝነበራ ቃፍላይ ዓበይቲ መካይን፡ ኣብ ክልል ዓፋር ጥቓ ዶብ ትግራይ ምስ በጽሓ፡ መጥቃዕቲ ወሪድወን ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እዞም ጸብጻባት፡ ብሳልሳይ ኣካል ከምዘይተረጋገጹ ይንገር።