ኣብ ኣይዳሆ፡ ኣመሪካ፡ ሓንቲ ዕድሜኣ ኣብ 11 ወይ 12 እትገመት ተመሃሪት፡ ክልተ ተመሃሮን ሓደ ኣባል ስታፍን ብብረት ከም ዘቚሰለት ፖሊስ ገሊጾም ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ። እዛ ስማ ዛጊት ዘይተጠቕሰት ናይ 6ይ ክፍሊ ተመሃሪት፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ብረት ሒዛ ድሕሪ ምምጻእ እያ ነዚ ገበን ፈጺማ ዘላ።
እቶም ሰለስተ ግዳያት፡ ንሞት ዘቃልዕ መጒዳእቲ ከም ዘይገጠሞም፡ ፖሊስ፡ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለዉ። ሓንቲ መምህር ነታ ተመሃሪት፡ ዕጥቃ ኣፍቲሓ፡ ክሳብ ፖሊስ ዝመጹ ኣብ ትሕቲ ቀይዳ ምጽንሓ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ እዛ ተመሃሪት ስለምንታይ ከምዚ ዝበለ ጎነጽ ከም ዝፈጸመት ዝተፈልጠ ነገር የለን ኢሉ። እቲ ጒዳይ ብቤት ጽሕፈት መርመራ ፈደራል (FBI) ን ኣኽበርቲ ሕግን ይጽናዕ ኣሎ ተባሂሉ’ሎ።