ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ በዓልመዚ ድጋፍ ሕቶ ዕቚባ ኣውሮጳዊ ሕብረት ገለ 471 ሽሕን 2 ሚእቲን ዝዀኑ ሓተትቲ ዕቚባ ናይ መንበሪ ፍቓድ ይጽበዩ ምህላዎ ተፈሊጡ። እዚ ክሳብ ታሕሳስ 2017 ዝነበረ ኣሃዝ ምስ ዝነጻጸር ኣዝዩ ዝዓበየ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ኣሃዝ ምስቶም ናይ ይግባይ ጥርዓን ኣቕሪቦም ዘለዉ ካልኦት ዝቀራረብ ኰይኑ ብጠቕላላ ናይ 895,760 ሰባት ሕቶ መልሲ ክወሃቦ ኣብ ትጽቢት ኣሎ ማለት እዩ።
ኣብ ፈለማ ሸሞንተ ኣዋርሕ እዛ ዓመት 450 ሽሕ ኣመልከትቲ ሕቶኦም ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ሃገራት ሸንገንን ምቕራቦም ድማ ተፈሊጡ። እዚ ኣሃዛት ኣብዚ ዓመት ክረአ ምስ ዝጸንሐ ኣካይዳ ዝሳነ ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ። ስደት ክሳብ ዝሓለፈ ሓምለ ጠርዙ በጺሑ 629 ሽሕ ድሕሪ ምብጻሕ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ 12 ሚእታዊት ምጒዳል ኣርእዩ ኔሩ። መብዛሕትኦም ካብዞም ሓተትቲ ዕቚባ ሶርያውያን ኣፍጋኒስታናውያንን ቨነዝዌላውያንን እዮም ተባሂሉ’ሎ።