ካብ ቤት ጽሕፈት መርመራ ሓበሬታታት ሽወደን (Datainspektionen) ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ዝበዝሑ ጥርዓናትን ምዕዝምዛማትን ተገልገልቲ፡ ብዛዕባ ኣብ ናይ ሓበሬታ ኣገልግሎት፡ ከም Merinfo ን Ratsit ዝኣመሰላ መርበባት ዝዝርጋሕ ዘሎ ዘይናዓቕ ብዝሒ ዘለዎ ውልቃዊ ሓበሬታ ምዃኑ እዩ። እዘን መርበባት’ዚኣተን ነቲ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ካብ ዝተፈላላዩ መንግስታውያን ትካላት ዝኣከበኦ ምዃነን ይፍለጥ።
ሕጊ ሓለዋ ውልቃዊ ሓበሬታታት (GDPR) ካብ ዝጅምር፡ ሓደ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ጥርዓናት ብጉዳይ ምዝርጋሕ (ምስሏኽ) ውልቃዊ ሓበሬታ ምዃኑን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ልዕሊ 750 ጥርዓናት ከምዘለዉ ጠበቓ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ዝኾነት፡ ጁልያ ዋገንበርግ፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። ኩሉ ሰብ ክርእዩ (ክበጽሖ) ዝኽእል ብዝሒ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርኔት ብምዝርግሑ፡ ኣደዳ ግህሰት ምዃኖምን ውልቃዊ ሓበሬተኦም ኣብ ገበናዊ ስራሓት ከይውዕል ስግኣት ከምዘለዎም እቶም ሰብ ጥርዓን ስክፍተኦም ይገልጹ።
ሕጊ ሓለዋ ውልቃዊ ሓበሬታታት (GDPR) ውልቃዊ ሓበሬታ ዓማዊል ንምሕላው ኣገባባቱ ኣመሓይሹ ይርከብ። ይኹን እምበር፡ ኣብዘን ዝተጠቕሳ መርበባት ብርክት ዝበለ ውልቃዊ ሓበሬታ ዓማዊል ክዝርጋሕ ከም ዝኽእል ብዙሓት ሰባት ይግምቱ።