ኣብ ኢንሾፒን (Enköping) ዝርከብ ፔፓሮትስቦደት (Pepparrotsbadet) ዝተባህለ መሐንበሲ ቦታ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ህንጻ፡ ክሎሪን ዝተባህለ ጋዝ ብምልሓኹ፡ ብምልኦም ሰራሕተኛታት፡ ካብቲ ቦታ ከምዝወጹ መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ።
ኣብቲ ማይ፡ እንታይ ምዃኑ ዘይተፈልጠ ኬሚካላዊ ቀመም ብምሕዋሱ፡ እቲ ንሂወት ደቂ ሰባት፡ ኣስጋኢ ዝኾነ ክሎሪን፡ ክፍጠር ተኻኢሉ ክብል ሓላፊ ኣገልግሎት መድሕን፡ ሄንሪክ የኒሹ፡ ገሊጹ።
ብምልኦም ሰራሕተኛታት ካብቲ ቦታ ከምዝወጹን፡ ዝወረደ ሓደጋ ከምዘየለን ተፈሊጡ ኣሎ። ናይ ጋዝ ላሕኲ ካበይ ከምዝተበገሰ፡ ብኽኢላታት ይፍተሽ ምህላዉ ተፈሊጡ።
እዚ መርዛም ጋዝ፡ ካብቲ መሐንበሲ ቦታ ወጻኢ ከምዘይሓለፈ፡ ተፈሊጡ ኣሎ።