ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሓደ ምስ ማዕከን ዜና AFP፡ ሓደ ምስ ቢቢሲ፡ ሓደ ምስ ፋይናንሽያ ታይምስን ሓደ ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር ሜድያ ዝሰርሕን ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ኣብ ከተማ መቐለ፡ ብሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር። እዞም ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት፡ ትማሊ ሮቡዕ፡ ካብ ማእሰርቲ ተለቒቖም ከምዘለዉ፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣመሓላሊፉ።
ኣንጻር እዞም ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ብወግዒ ዝቐረበሎም ክሲ’ኳ እንተዘየለ፡ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት. ምድንጋጽን ዝምባለን ኣለኩም ብዝል ዘረባ ኣስሚዖምና ዝበለ፡ ምስ ማዕከን ዜና AFP ዝሰርሕ፡ ብርሃነ፡ ስለምንታይ ካብ ማእሰርቲ ይለቁና ከምዘለዉ ግን ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ኣይሃቡናን ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ነቲ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዝኽእል ሓበሬታታት ክቋጻጸር ጻዕርታት ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓደ ጋዜጠኛ ብጥይት ተወጊኡ ከምዝሞተ ይዝከር።