ንጽል ሞተር ዘለዋ ንእሽቶ ነፋሪት ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ካብ ኖርሾፒን ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ተሓምሺሻ። በቲ ሓደጋ
ክልቲኦም ተሳፈርቲ እታ ነፋሪት ሞይቶም ኣለዉ። ክልቲኦም ተሳፈርቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት ዝርከቡ ዜጋታት ሃንጋሪ ኮይኖም፥
ምኽንያት እዚ ሓደጋ ዛጊት ከም ዘይተፈልጠ ፖሊስ ገሊጾም ኣለው። እዛ ነፋሪት ሰንበት ወጋሕታ ካብ ፖላንድ ከም እተበገሰት፥
እንተኾነ ግና ዛጊት ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣንፈታ ምቕያራ፥ በዓልመዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ሽወደን ገሊጹ’ሎ። መዓልቦ እዛ ነፋሪት
ኣብ ፈለማ ዳርልያና እኳ እንተነበረ፥ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዮንሽፒን ምስ በጽሐት ኣንፈታ ናብ ስካፕስታ ምግባራ እቲ በዓልመዚ
ወሲኹ ሓቢሩ።