ኣብ ጊኒየስታ ዝርከብ ናይ ባቡር ተርሚናል፡ ዘይተፈልጠ ኣካል ከምተረኽበን፡ ምምሕዳር’ቲ ተርሚናል ድማ ነቷጒ ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባሩ፡ ፖሊስ፡ ናብቲ ቦታ መጺኦም፡ ንኩሎም ምንቅስቓሳት ናይ ባቡር ደው ክብሉ ድሕሪ ምሕባር፡ ዓቢ ዝኾነ ስርሒት ፈተሻ የካይዱ ምህላዎም SVT ሓቢሩ።
ፖሊስ፡ ሰዓት 11፡37 ቅ.ቐ.፡ ብመንገዲ ሓደ ተሳፋሪ፡ ነቲ ሓበሬታ ከምዝተቐበሎ፡ ወሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ኣንጀሊካ ሲልቬሪ፡ ገሊጻ።
ብምልኦም ተሳፈርቲ፡ ካብቲ ባቡር፡ ብሰላም ከምዝወርዱ ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ መካይን ተሰቒሎም ካብቲ ቦታ ከምዝርሕቁ ተገይሩ።
ፖሊስ፡ ካብ ተሳፈርቲ፡ ሓበሬታታት ከምዝኣከበን፡ ነቲ ዘይተፈልጠ ኣካል ግን ክቐርቦ ኣይከኣለን።
ሰዓት 2፡00 ድ.ቐ.፡ ኣሃዱ ነቶግቲ፡ ናብቲ ቦታ ምብጽሑ ተፈሊጡ ኣሎ።