ኣብ ሃገረ ጣልያን፡ መሸጣ ናይ ወይኒ ብዝምልከት ከም ኣብ ዓመተ 2021 ዝበዝሕ ተራእዩ ከምዘይፍለጥ ተሓቢሩ። ብሓፈሻ ልዕሊ 1 ቢልዮን ዝኸውን ጥርሙዝ ናይ ፕሮሴኮ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓይነትን ካልእ ድማ ‘ዘብለጭልጭ’ ወይኒ (sparkling wine) ተባሂሉ ዝፍለጥን ከምዝተመዝገበ – እዚ ድማ ልዕሊ 20% ወሰኽ ከምዝኾነን ተፈሊጡ’ሎ።
ፕሮሴኮ ዝበሃል ወይኒ ካብ ከባቢ ቬኔቶ ካብ ሰሜን ዝርከብ ኮይኑ እቲ ዓብላሊ ምዃኑ ዝንገረሉ ዓይነት እዩ። ኣብ ዓመት ድማ ልዕሊ 850 ሚልዮን ጠራሙዝ እዩ ዝፈሪ። ይኹን እምበር ካልኦት ናይ ጣልያን ወይኒታት ከም በዓል ፍራንቺያኮርታ ዝዓይነቶም’ውን ጽቡቕ ዕዳጋ ከምዘለዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ከም ጸብጻብ ናይ ትካል ሕርሻ ኮልዲረቲ እንተኾይኑ፡ ልዕሊ 23% ፍርያት ከምዝተመዝገበ ተፈሊጡ’ሎ። ጎና ጎኒ ምስ’ዚ ግና ዋጋታት ወሰኽ ኣርእዮም’ዮም። እዚ ማለት፡ ናይ ዓዲ ውሽጢ መሸጣ 27%፡ እቲ ንደገ ሰደድ ዝተገብረ ድማ ልዕሊ 29% ወሰኽ ከምዘርኣየ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።
መብዛሕትኡ እቲ ንደገ ዝሽየጥ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ጀርመንን እዩ ዝስደድ።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፡ ኮርዲረቲ፡ ናቱ ፍርያት ኣምሲሎም ንዝሽየጡ ቅዳሕ ዓይነት ወይኒ ብሽም ‘ሴኮ’ ተባሂሎም ንመሸጣ ውዒሎም ስለዘለው እቲ ሓፋሽ ንኸስተውዕል መጠንቀቕታ ከምዝለገሱ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እዚኦም’ውን ከይተረፉ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ውሩያት እንዳኾኑ ይመጹ ከምዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ።