ኣብ ርእሰ ከተማ ቱኒዝያ፡ ቱኒስ፡ ሰልፈኛታት ብክልተ ወገን ኮይኖም ንሓድሕዶም ኣእማንን ጠራሙዝን ክደራበዩ ይረኣዩ ኣለዉ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ብርክት ዝበሉ ሚኒስተራት እንተላይ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሰጒጉሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ እዚ ሕድሕዳዊ ጎነጽ ዝረአ ዘሎ።
ደገፍቲ ተሰጓጓይ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ምስቶም ነቲ ውሳኔ ዝድግፉ ሰልፈኛታት ኣብ ዝገበርዎ ናይ ጎነጽ ወርወራ ኣእማንን ጠራሙዝን ብርክት ዘበሉ ሰልፈኛታት ከም እተጐድኡ ሮአይተርስ ጸብጺቡ’ሎ።
ኣብ 2019 ድሕሪ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫን ንሱ ዘስዓቦ ዕግርግርን ንምህዳእ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ንሓሺም መቺቺ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ሸይምዎ እኳ እንተነበረ፡ ዓመቱ ከይመልአ እንከሎ እዚ ናዕቢ ከም እተላዕለ ይፍለጥ።
ብሰንበት ምሸት ኣብ ዝተመሓላለፈ ናይ ተሌቪዥን ፕሮግራም ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ከም ዝሰገጎ ዝገለጸ ፕረዚደንት፡ ሳዒድ፡ ንባይቶ እታ ሃገር ክብትን ስልጣን ከም ዘይብሉ፡ እንተኾነ ግን ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ካብ ስራሕ ክድስክል ጌርዎ ምህላዉ ሓቢሩ’ሎ።
ብሰኑይ ቀትሪ፡ እውን ሚኒስተር ምክልኻል፡ ኢብራሂም ባርታጊን ሚኒስተር ፍትሒ፡ ሓስና ቤን ስሌማንን ካብ ስልጣኖም ክውገዱ ምዃኖም ተገሊጹ እዩ።