46 ዝዕድሜኡ ሰብኣይ ኣብ ቫስትራስ ንዝቕመጥ ሰብኣይ ብስሕለት ብምቕታሉ ንሕልፈት ማእሰርቲ ከም እተፈርደ ተፈሊጡ። እዚ ግዳይ ኣብ 24 ለካቲት ብሕሱም መጥቃዕቲ ካራ ብዙሕ ተጐዲኡ ከም እተረኽበን ብ 3 መጋቢት ኣብ ሆስፒታል ምዕራፉን ዝፍለጥ እዩ። እዚ ወዲ 46 ገበነኛ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ጐረሮኡ ብስሕለት ከም ዝወቕዖ እኳ እንተተኣመነ ክቐትሎ ኢለ ኣይገበርክዎን ምባሉ ተጸብጺቡ። ቤትፍርዲ ወረዳ ቫስትማንላንድ ነዚ ሰብኣይ ንዕድመ ልክዕ ፈሪድዎ’ሎ። እቲ ገበን ብወተግ ግዳይ እተፈጸመ ኮይኑ ጭካነ ዝመልኦ ምንባሩ ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ተመልኪቱ።