ኣብ ሒዝናያ ዘለና ዓመተ 2021 ቀዳማይ መዓልቲ ጥራሕ 371 504 ህጻናት ከምዝተወለዱ ዓለምለኻዊ ውድብ ዮኒሴፍ ኣፍሊጡ። እዚ ቁጽሪ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተመዝገበ ቁጽሪ 20,000 ቀኒሱ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ስዊድንውን ብተመሳሳሊ ሎሚ መዓልቲ 300 ህጻናት ከምዝተወልዱ ተፈሊጡ።
ዪኒሴፍ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ዝውለዱ ህጻናት ብመንጽር ዝተወለዱሉ ሃገራት ኣብ ዓለም ናይ ዝጸንሕሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ግዝየ ከነጻጽር ከሎ ሓደ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪባብሊክ ዝተወልደ ህጻን ከባቢ 61,4 ዓመታት ክነብር ትጽቢት ክግበረሉ ከሎ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝውለድ ቆልዓ ድማ 116,4 ዓመታት ክነብር ትጽቢት ከምዝግበረሉ ሓቢሩ።
ሎሚ መዓልቲ ዝበዝሑ ህጻናት ዝተወለዱለን ሃገራት እዘን ዝስዕባ እየን።
- ህንዲ (59 995)
- ቻይና (35 615)
- ናይጀርያ (21 439)
- ፓኪስታን (14 161)
- ኢንዶኖዝያ (12 336)
- ኢትዮጵያ (12 006)
- ኣሜሪካ (10 312)
- ግብጺ (9 455)
- ባንግላዲሽ (9 236)
- ኮንጎ/ ኪንሻሳ (8 640)
- ስዊድን (300)