ካብተን 21 ምምሕዳራት ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ 17 ምምሕዳራት ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ካብ ቤት ምኽሪ እዘን ምምሕዳራት ዝቐረቡ ጸብጻባት ሓቢሮም።
መልከፍቲ ኮሮና፡ ብፍላይ ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ተማሃሮ፡ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ኣባይቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝሰርሑ፡ ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ብብዝሒ ይረአ ከምዘሎ ጸብጻባት ቤት ምኽሪ ምምሕዳራት ይሕብሩ።
ከም ኣብነት፡ ኣብ ከተማ ኦብሳላ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ መርመራ ቫይረስ ኮሮና፡ 7.5% ካብቶም ዝተመርመሩ፡ ብኮሮና ምልካፎም ክረጋገጽ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ እቲ ቁጽሪ ካብ 1% ክሳብ 2% ምንባሩ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቁጽሪ ናይቶም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዘድልዮም ሰባት ድማ እናበዘሐ ይመጽእ ኣሎ።
ጠንቂ ናህሪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኮይኑ ዘሎ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ብፍላይ ድማ መንእሰያት፡ ንመምርሒታት በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ሸለል ስለዝብሉ ዘለዉ እዮም ክብል እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።