ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ብ ብረት ዝኽሰት ጎነጻዊ ሞት የንቈልቊለሉ ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ሽወደን ብኣንጻሩ ብብረት
ዝኽሰት ጎነጽ እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብብረት ዝተቐትሉ ሰባት ብጠቕላላ 63
ምዃኖም፡ ፈጸምቲ እዚ ጎነጽ ከኣ መንእሰያት ምንባሮምን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሽወደን ኣብ ኣውሮጳ ብዙሕ ጎነጽ ዝረኣየላ ዓዲ ኮይና’ላ። ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ናብ ተመሳሳሊ ኣንፈት
ከይከዳ ኸኣ ሻቕሎት ኣሎና” ክብል ኣብ ብራሰስ ዝመደብሩ ተመራማሪ ናይ ብረት ጎነጽ ኒልስ ዱኬት ገሊጹ’ሎ።