ኣብዝ ሃገር በብግዜኡ ዝውስኽ ውዱብ ገበናት ይረኣዩላ ምህላዎም ሰብመዚ ሽወደን ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ውዱብ ገበናት ኣብ ነተጒትን ተዂስን ጥራይ ከይተሓጽረ ናብ ጽላት ማሕበራዊ ድሕነት እውን ይመጣጠር ምህላዉ እውን ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ወከልቲ ፖሊስን ኮሚሽን ገበን ሽወደንን ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ እዩ።
“ውዱብ ገበናት ኣብ ምጥቃም ነተጒትን ተዂስን ጥራይ ከይተሓጽረ ናብ ጽላት ማሕበራዊ ድሕነት ይኸይድ ብምህላዉ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ሙኻኑ” ክትብል ሓላፊት ጒዳያት ጸጥታ ኣብ ሃገራዊ ስርሒታት ክፍሊ ፖሊስ ሊንዳ ስታቭ ገሊጻ። ወኪል ኮሚሽን ገበን ሽወደን ቶርብዦርን ሮዘን ብወገኑ ፋይናንሳዊ ገበናት እናበዝሑ ምምጽኦም ጸብጻቡ ኣቕሪቡ’ሎ።
ኣብቲ ጸብጻብ ውዱባት ገበነኛታት ዝጥቀሙሎም ሜላታት ብሰፊሑ ቀሪቦም ኣለዉ። እብቲ ዋዕላ ጸብጻብ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ኣብ ዓመታት 2009 ክሳብ 2018 ንዝተራእየ ኣርባዕተ ዕጽፊ ዕብየት ዕዮ ስደትን ቀሪቡ እዩ።