ኣብ ሽወደን ኣባላት መንግስቲ ሶርያ ኣብ መርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ተነጊሩ። ኣብ ሽወደን ኣባላት መንግስቲ ሶርያ ፈጺሞሞ ዝበሃል ገበናት ኲናትን ጥፍኣት ወዲኣዳምን ንምምርማር ኣብያተ ፍርዲ ንመርመራታት ክፉታት ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ኣብ ጀርመን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ መጋብኣያ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ሶርያ ብገበን ኲናት ተሓተትቲ ኮይኖም ከም እተረኽቡ ተገሊጹ’ሎ። ኣኽባሪት ሕጊ ሽወደን ነዚ ጒዳይ ዘለዋ ደገፍ ምግላጻን ንነዊሕ ዝኣንፈተ መርመራ ኣብ ሽወደን ክካየድ ድሌት ከም ዘለዋን ምግላጻ ተመልኪቱ።