ካብ ኣገልግሎት ሽቕለት ሽወደን እተረኽብህ ሓድሽ ጸብጻብ ስታቱስቲክስ ከም ዘመልክትዎ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ብተኸታታሊ ሽግር ሽቕለት ኣልቦነት እናወሰኸ ክመጽእ ምጽንሑ ኣመልኪቶም። ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ 340 ሽሕ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ተባሂሎም ከም እተመዝገቡን እዚ ድማ ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር ኣብ ተመሳሳኢ ግዜ ናይ 29 ሽሕ ሰባት ወሰኽ ከም ዘርኣየን ተፈሊጡ።
ብተመሳሳሊ ሽቕለት ኣልቦነት ካብ 7% ናብ 7.4% ምውሳዂ ኣገልግሎት ሽቕለት ሽወደን ኣመልኪቱ’ሎ። “ንነዊሕ ግዜ ኣዝዩ ጽቡቕ ቊጠባ ጸኒሑና እዩ። እንተኾነ ግና ካብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ 2019 ንደሓር ምዝሕታል ቊጠባ እናተራእየ ምምጽኡን ሽቕለት ኣልቦነት ምውሳዂን ዋና ተንታኒት በዓልመዚ ዕዮ ኣኒካ ሱንዲን ንሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣመልኪታ።
እዚ ሽቕለት ኣልቦነት ብፍላይ ኣብ መንእሰያት፥ ክልቲኡ ጾታታትን ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱን ሰባት ብብዝሒ ይረአ ምህላዉ ድማ ተገሊጹ። ኣስራሕቲ ብወገኖም ኣብ ምቚጻር ኣዝዮም ጥንቁቓት እናኾኑ ምምጽኦም ድማ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ምዝሕታል ቊጠባ ኣብ ዓመታት 2020-2021 ክቕጽል ከም ዝኽእል ሳንዲን ተነብያ’ላ።