ኣብ ዝመጽእ ሰነ፥ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ጸረ-ግብረሽበራዊ ሕጊ ክተኣታቶ እዩ ተባሂሉ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ ንጥፈታትት
ግብረሽበራውያን ውድባት ምስታፍ ብገበን ዘኽስስ ክኸውን እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ውድባት ግብረ-ሽበራ ምምሕዳራዊ ይዂን
ሎጂስቲካዊ ተራ ዝጸንሖም ሰባት፥ እንተላይ ነቶም ኣብ ግብረሽበራዊ ውድብ ዳዕሽ ኣባላት ኔሮም ዝተመልሱ ሽወደናውያን ምኽሳስ
ዝከኣል ኣይነበረን። በዚ ድማ፥ ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ፥ ምስ ውድባት ግብረ-ሽበራ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ንዝጥርጠሩ፡
ኣብ ውሽጢ ሽወደን ይዂን ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ሰባት ዝያዳ መርመራታት ክግበረሎም፥ ከምኡ’ውን ምስዞም ውድባት
ዝተሓጋገዙ ሰባት ምኽሳስ ዝቐለለ ክኸውን እዩ።
"ወኪላት ፈጸምቲ ሕጊ ነዞም ሰባት ክኸስዎም ዘኽእል ስልጣን ዝህብ ብምዃኑ” እዚ ሕጊ ንሽወደን ከም ዝድልያ፡ ኣብ ኣሃዱ
ሃገራዊ ጸጥታ ሽወደን ዋና በዓልመዚ ኣኽባር ሕጊ ፐር ሊንቪስት ገሊጹ’ሎ። ኣብ ኣውሮጳ ዘለዋ ዝበዝሓ ሃገራት ንብርክት ዝበለ
ዓመታት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሕጊ እየን ዝመሓደራ ዝበለ ሊንቪስ፥ ኣብ ሽወደን ግና መሰል ምውዳብ ብዝብል ሕጊ ተሸፊኑ
ምጽንሑ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።