ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማል፡ ሞቓድሾ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ጒጅለታት ሓይልታት ጸጥታ ኲናት ተላዒሉ። ኣብ ጥቓ ህንጻ ፕረሲደንት እታ ሃገር፡ ናይ ሞርታርን ካልእ ከቢድ ብረትን ተዂሲ ከም ዝነበረ እውን ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።
ገለ ካብዞም ተዋጋእቲ ኣሃዱታት ንፕረዚደንት መሓመድ ፎርማጆ ዝድግፉ ክኾኑ እንከለዉ ካልኦት ድማ ኣንጻሩ እተላዕሉ እዮም። ፕረዚደንት መሓመድ ፎርማጆ፡ ዕድመ ስልጣኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት እኳ እንተብቅዐ፡ ፕረዚደንትነቱ ንኽልተ ተወሰኽቲ ዓመታት ክናዋሕ ባይቶ እታ ሃገር ሓደ ኣከራኻሪ ውሳነ ምሕላፉን፡ በዚ ድማ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላው ከም እተኸስተ ዝፍለጥ እዩ። ፎርማጆ፡ ስልጣኑ ከናውሕ ብምውሳኑ ብሓያላን ሃገራት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ብኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ሓያል ኲነኔ ኣስዒቡሉ እዩ። እዚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ሞቓድሾ እተላዕለ ረጽሚ፡ ናብ ማእከላይ ዞባ እታ ሃገር ከም እተላብዐ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣቐዲሞም ዝዓጠቑ ምልሻታት እውን ኣብዚ ጎነጽ ይጽንበሩ ኣለዉ ኢሉ። ብዛዕባ ዝወረደ ጒድኣት ዛጊት ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
ብኻልእ ወገን፡ ንምንዋሕ ስልጣን ፎርማጆ ዝቃወሙ ሶማላውያን ኣብ ጎደናታት ሞቓድሾ ሰላማዊ ሰልፊ ይገብሩ ምህላዎም ተገሊጹ። እዞም ሰልፈኛታት፡ ጎማታት መካይን ብምቅጻል ጽርግያ ከም ዝዓጸዉን “ፎርማጆ ይኣኽለካ! ውልቀ ምልኪ ኣይንደልን ኢና” ዝብሉ ጭርሖታት ከም ዘጋውሑን ተፈሊጡ።
ብዘይካዚ ተቓወምቲ ኣሃዱታት፡ ንሰሜን ሞቓድሾ ከም እተቖጻጸርዎ ተሓቢሩ’ሎ። ደገፍቲ ፎርማጆ ብወገኖም ንኣባይቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ሓሰን ሼኽ መሓመድን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ዓብዱራሕማን ዓብዲሻኩርን፡ ኣጥቂዖም ኣለዉ።