ኣብ “ስፖቲፋይ”–ሽወደን–እተመስረተ ሓድሽ ማሕበር ንግድ ኣማኢት ኣባኣት ምምዝጋቡ ተገሊጹ። እዚ ገዚፍ ናይ ሙዚቃ
ዳታ ዝዓቊር ኲባያ ብዓለምለኸ ደረጃ ምዕጻው ስራሕ ድሕሪ ምግባሩ እዩ እዚ ተጌሩ ዘሎ። ኲባንያታት ቴክኖሎጂ ሓባራዊ ናይ
ምውጋይ ስምምዕ ስለ ዘይብለን ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ሽወደን ሳሕቲ ጥራይ እየን ዝርከባ ኔረን። እንተኾነ ግና እዚ ኲነታት ይቕየር
ምህላዉ ገለ ሰባት ይኣምኑ።
"ኣብዚ ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂ ዘለዉ ሰባት “ስለምንታይ እዩ ከም ኩሉ ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ሽወደን ዘሎ ኲሉ ካልእ፡ ተመሳሳሊ
መሰልን ውሕስነትን ዘይህልወና?' ኣብ ማሕበር ንግድ “ዩንዬነን” መራሒ ጒጅለ ብዮርን ላርም ገሊጹ’ሎ።