ድሕሪ ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ስኮናን ከባቢኣን፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና እናዛየደ ምምጽኡን መዓልታዊ ብገምጋም 45 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ይልከፉ ምህላዎም ጸብጻባት ሓቢሮም።
ሰባት ካብ ዕረፍቲ ናብ ስረሖምን ቤት ትምህርትን ምስ ተመልሱ፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ክውስኽ ምዃኑ፡ ካብ ትጽቢትና ወጻኢ ኣይነበረን ክትብል ዶክተር ምቁጽጻር ለበዳ ከባቢ ስኮና ዝኾነት ኢቫ ሜላንደር ንTT ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ።
ዝሓለፈ ወቕቲ፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ከባቢ ስቶክሆሎም ብብዝሒ ይረአ ምንባሩ ይዝከር። ኣብዚ ወቕቲ’ዚ፡ ምስ ኣብ ሰሜናውን ማእከልን ከባቢታት ሽወደን ብምውድዳር፡ ኣብ ከባቢ ስኮና፡ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና፡ ብብዝሒ ይረአ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ እቶም ኣብ ከባቢ ስቶክሆሎም ዝነብሩ ሰባት፡ መጠን ዓቕሚ ተጻዋርነት ኣማዕቢሎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ፡ ከባቢ ስኮና፡ ንመልከፍቲ ኮሮና ዝተቓልዐት ብዘይምንባራ፡ ነበርቲ ናይዚ ከባቢ እኹል ተጻዋርነት ኣየጥረዩን ማለት እዩ ክትብል፡ ሜላንደር፡ ወሲኻ ገሊጻ።
ኣብ ከባቢ ስኮና፡ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም ዘለዉ ሰባት፡ መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ዶባት ዝነብሩ ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም።
ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣብ ከባቢ ስኮና ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ብምህላዎም፡ ኣወንታዊ ተርእዮ እዩ። ውሑዳት እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝኾና ቦታታት ብመልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና እንተተጠቕዓ፡ እቲ ብዝሒ መልከፍቲ ግን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ክትብል፡ ሜላንደር፡ መግለጺኣ ደምዲማ።