ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ክፋል ናይ ስቶክሆልም ዝተመዝገበ ናይ ድሮን ምንቅስቓስ ብፖሊስ ይምርመር ከምዘሎ ኤክስፕረሰን ኣቃሊሑ።
እቶም ፖሊስ ንተተ ከምዝሓበሩዎ፡ እቲ ፍጻመ ኣንጻር እቲ ናይ ሓለዋ መስርሕ (Protection Act) ኮምኡ ድማ ኣቪየሽን መስርሕ (Aviation Act) ጥሒሱ እንድሕር ኮይኑ ክምርመር ከምዝኾነ ኣፍሊጦም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሮሰንባድ፣ ሪክስዳግን እቲ ካስትል ተባሂሉ ዝፍለጥ ግምቢን ሓዊሱ ኣብ ከባቢ ምሕደራዊ ህንጻታት ናይ ስቶክሆልም ዝኾነ ይኹን ኣብ ላዕሊ ዝዝንብይ በራሪ ነገር ዘይፍቀድ ብምዃኑ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።
“ይኹን እምበር እዚ ፍጻመ’ዚ ዘይልሙድ ኣይኮነን። ከምዚኦም ዓይነት ጸብጻባት፡ ብዙሕ ግዜ የጋጥሙ እዮም። እቲ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ምኽንያት ከኣ፡ እቶም ቱሪስትታት ነቶም ታሪኻውያንን ደስ-በሃልቲ ህንጻታትን ናይታ ከተማ ንምስኣል ድሮናት ስለዘብርሩ እዮም” ክብል ወሃብ ቃል ናይ ፖሊስ ዝኾነ ኦላ ኦስተርሊንግ ሓቢሩ።
ኤክስፕረሰን ከምዝጸብጸቦ እንተድኣ ኮይኑ፡ Säpo ብዛዕቢ’ዚ ጉዳይ ከምዝፈልጥን እታ ድሮን ድማ ልዕሊ 2 ሜትሮ ቁመት ዘለዋን “ናይ ወታሃደራዊ ሞዴል ከምዝኾነትን” እዩ ሓቢሩ።
“ከምዚ ዝብል ሓበሬታ’ኳ የብለይን” ክብል ኦስተር ሓሳቡ ሂቡ’ሎ።
ንሱ፡ ወሲኹ’ውን ፖሊስ ናይ ስቶክሆልም ካብዚ ብተወሳኺ ብዛዕባ ድሮናት ዝበጽሖ ሓበሬታ ከምዘየለ ገሊጹ