ከተማ ስቶክሆሎም ብዕለት 15 ሚያዝያ ዝለዓለ ብዝሒ ብቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ምምዝጋባ ላዕለዋይ ጫፍ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ከምዝበጸሐቶን እዚ ድማ ቁጽሪ ዝልከፉ ሰባት መዓልታዊ ክጎድል ምዃኑ እቲ ብኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዘተዳለወ ሞዴል ሓቢሩ ክብል ምክትል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ለበዳ ዝኾነ ኣንድሽ ቫለንስቲን ሓቢሩ። ክሳብ መጀመርያ ወርሒ ግንቦት ሓደ ሲሶ ነበርቲ ስቶክሆሎም ብቫይረስ ክልከፉ ተኽእሎታት ከምዘሎ ሓቢሩ። ጸብጻባት ናይቲ ሞዴል፡ ነቲ ካብ ዕለት 17 ለካቲት ጀሚሩ ክሳብ 10 ሚያዝያ ኣብ ስቶክሆሎም ዝተረኽበ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ሓበሬታታትን ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ልዕሊ 700 ነበርቲ’ታ ከተማ ዝኾኑ ሰባት ዝተኻየደ ዳህሳስን ካብኣቶም ድማ 2.5% ብቫይረስ ዝተለኽፉ ምጽነሖም ይዝከር።
እቲ ሞዴል፡ ነዞም ዝተጠቕሱ መጽናዕታት ምርኩስ ብምግባር ጸብጻቡ ከምዘቕረበ ይፍለጥ። ውጽኢት ናይቲ ሞዴል ምስቲ ናይ ኣሃዛዊ ስትቲስቲክስ መምህር ዝኾነ ቶም ብራይቶን ዝበጽሖ ውጽኢት ዝቀራረብ ምዃኑ ቫለንስቴን ኣንፊቱ። ሽወደን እትኽተሎ ዘላ ስትራተጂ ንሓለዋ ጥዕናን ንሓደስቲ ሕሙማትን ውሕሰነት ዝህብ እዩ። ሓቢርና እንተድኣ ሰሪሕና ለበዳ ቫይረስ ዶብ ክንገብረሉ ንኽእል ኢና። ወላ’ኳ ጫፍ ለበዳ ቫይረስ በጺሕና ቁጽሪ ናይቶም ዝልከፉ ሰባት እንተ ዘይወሰኸ ኣመዝጊብናዮ ዘለና ምምሕያሻት ንምውሓስ ግን ዘሎ ኣካይዳና ክንቅጽሎ ይግባኣና።
ከምዚ ክንብል እንከለና ግን ዓቢ ዝኾነ ዝርጋሐ ናይ ቫይረስ የለን ማለት ኣይኮነን፡ ክልተ ሲሶ ካብ ነበርቲ ስቶክሆሎም ጌና በቲ ቫይረስ ከምዘይተለኽፉ ክንርስዕ ኣይግባኣናን። ምልክታት ሕማም ኣብ ንርእየሉ እዋናት ኣብ ገዛ ክንጸንሕ፡ ኣእዳውና ብግቡእ ክንሓጽብ፡ ምትእኽኻብ ክንውግድ፡ ኣገዳስነት ካብ ዘይብሎም መገሻታት ክንቁጠብን ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ካብ ገዛ ከይወጹ ዝብሉ ብትካላት ሓለዋ ጥዕና ዝወሃበና መምርሕታት ምክትታልን ምትግባርን ኣገዳስነቶም ዓቢ ምዃኑ ኣብ መደምደምታ ኣዘኻኺሩ።