ኣብ ካርቱም ዋና ከተማ ናይ ሱዳን ዝሰርሑ ሓኻይም ብሰንበት ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓኻይምን ናይ ሕክምና ኣካላትን ብፖሊስ ዝወርድ ዘሎ ማህሰይቲ ብምቅዋም፡ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝገበሩ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ተቓውሞ’ዚ፡ እቶም ደለይቲ ዲሞክራሲ ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ጁንታ ተቓውሞ ኣብ ዝገብሩሉ እዋን፡ ነቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ሰላማውያን ሰባት ክሕክሙ ከለው ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ እቶም ሓኻይም ንዝበጽሐ ማህሰይቲ ብምቅዋም ከምዝኾነ ተገሊጹ’ሎ።
እቶም ሓኻይም፡ ጻዕዳ ናይ ሕክምና ኣልባሳት ተኸዲኖምን ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ኣብ ዝተኻየዱ ናዕቢታት ናይ ዝሞቱ ናይ መሳርሕቶም ስእልታትን ብምሓዝ እዮም ናብ ደገ ዝወጹ።
“ኣብ ሕድሕድ ተቓውሞታት እቶም ናይ ጸጥታ ኣካላት ኣብ ውሽጢ እቲ ኣነ ዝሰርሐሉ ሆስፒታል መንብዒ ጋዝ ተኲሶም” ክትብል ኣብቲ ተቓውሞ ዝተሳተፈት ሃውዳ ኣሕመድ ዝተባህለት ሓኪም ገሊጻ።
“ኣብቲ ውጹዓት ዝሕከሙሉ ማእከል ከይተረፈ መጽዮም እዮም ኣጥቂዖምና” ክትብል’ውን ወቒሳቶም።
ከም ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) እንተኾይኑ፡ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ 11 ዝተረጋገጹ መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሕክምናን ኣብ ልዕሊ ትካላት ሕክምናን ተመዝጊቦም ክብል ጸብጺቡ’ሎ። እቲ ውድብ ጥዕና ብሰሉስ ኣብ ዘውጾ መግለጺ፡ እዞም መጥቃዕቲታት ደው ክብሉ ኣለዎም ምኽንያቱ፡ ኣንጻር ሕግታት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ዘቕንዑ ብምዃኖምን፡ ናይ ተሓከምቲ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰልን ዘተዓናቕፉ ብምዃኖምን ኣታሓሳሲቡ።