ኣብ ሰሜን ሽወደን ብ ቻይናዊ ኲባንያ ዝህነጽ ዘሎ ፋብሪካ ባተሪ ሻቕላ ከም ዝፈጠረሎም ፖለቲከኛታት ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት
ገሊጾም። እዚ ናይ 10 ቢልዮን ክሮና ወፍሪ ቻይና፥ ን ክልተ ሽሕ ሽወደናውያን ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣሩን ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን
ብዝርከባ ቆንስላ ምምሕዳራት ከተማ ቲምሮ፥ ሱንዝቫልን ከም ዝድገፍ ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ ግና ኲባንያታት ቻይና ምስ
ፖለቲካ መንግስተን ዘለወን ብርቱዕ ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቻይና ከምዚኦም ዓይነት ወፍሪታት ምግባራ ፖለቲካዊ ጸቕጢ
ንምሕዳር ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም እቶም ፖለቲከኛታት ኣመልኪቶም ኣለዉ። ኣውሮጳ ካብ ውዱኣት
ኣቕሑን ቴክኖሎጂን ቻይና ብኸመይ ሓራ ትኸውን ዝብል ብ ፖለቲከኛታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ይዝተየሉ ምህላዉን ፡ ወፍሪ ቻይና
ኣብ ኣውሮጳ ሻቕላ ከም ዝፈጥረሉን ኣባል ባይቶ ሽወደን ያኮብ ደላንዳ ገሊጹ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ብዓይኒ ጸጥታ እንክረኣዩ ተኣፈፍቲ ንዝኾኑ ወፍሪታት ዝምልከት ሕጊ ከም ዘይብሉ ዝገለጸ
ደላንዳ፥ እንተኾነ ግና መንግስቲ ሽወደን ነዚ ዝምልክት ሓደስቲ ሕግታት ከዳሉ ምዃኑ ወሲኹ ኣመልኪቱ።