ኣብ ሰሙን ካብ 350 ግራም ዝበዝሕ ቀይሕ ስጋ ምምጋብ፥ ን መንሽሮ ዓብዪ መዓንጣን ባጡቕን ከም ዘቃልዕ “ለበዋታት
ኣመጋግባ ኖርዲክ” ዝተባህለ ዳህሳስ ገሊጹ። እዚ መጠን ቀይሕ ስጋ፥ ክንዲ ሰለስተ ሃምበርገር እዩ። ኣሉታዊ ጽልዋታት ክሊማን
ኣከባቢን ከተጒድል እንተደሊኻ ግና፥ ካብዚ ዝተጠቕሰ መጠን ዝውሕድ ክትምገብ ይግባእ ኢሉ’ሎ–እቲ ዳህሳስ። ዝተመስርሐ
ስጋ ከብቲ ንምድላው ዝተግሃ ፋብሪካታት፥ ኣብ ኣከባቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘለወን እቲ ዳህሳስ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ። ምስ
“ለበዋታት ኣመጋግባ ኖርዲክ” ብቐርባ ክሰርሕ ዝጸንሐ “ኤጀንሲ መግቢ ሽወደን” ብወገኑ፥ ፍረታት፡ ኣሕምልትን ጥረታት
ምምጋብ ዝሓሸ ጥዕና ዝህብ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ንዕቃበ ኣከባቢ እውን ተመራጺ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ል።
ኣብዚ ልዕሊ 400 ተመራመርቲ እተሳተፍዎ መጽናዕቲ፥ “ለበዋታታ ኣመጋግባ ኖርዲክ” ኣመጋግባ ኣብ ጥዕናን ኣከባቢን ዝህልዎ
ጽልዋታት ክርኢ ሕጂ፥ ንፈለማ ግዜኡ እዩ። እዚ ለበዋታት፥ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከምኡ’ውን ኣባይቲ ክንክን ንዝህሉ ኣቀራርባ
መኣዲ ከመሓይሽ እዩ፥ ዝብል ትጽቢት ተጌርሉ’ሎ።