ሩስያ፡ OVD-Info ዝባሃል ብዛዕባ ፖለቲካዊ ግፍዕታትን ብሃውሪ ብዛዕባ ዝውሰዱ ናይ ቀይዲ ስጉምቲታትን ዝስንድ ናይ ሓበሬታ መርበብ ከምዝኣገደት ተገሊጹ። ከምቲ ትካል እንድሕር ኮይኑ፡ እቲ መርበብ ሓበሬታ ቅድም ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ክእገድ ዝተገብረ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ብዕለት 20 ወርሒ ታሕሳስ፡ ሓደ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ቤት ፍርዲ እዩ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ንኽዕጾ ዝወሰነ ክብል ኢንተርፋክስ ዝተባህለ ናይ ሩስያ ዜናዊ ማዕከን ገሊጹ።፡
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሩስያ፡ ንብዙሓት ናይ ተቓወምቲ ጉጅለታትን ወነንቲ ናጻ መራኸቢ ብዙሓንን ከምዝዓጸወት ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ኽረምቲ፡ OVD-Info፡ ሓደ ካብቶም “ናይ ግዳም ተዋሳእቲ” ተባሂሉ ተፈሪጁ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እዚ “ናይ ግዳም ተዋሳእቲ” ዝብል ሽም ድማ ንሚድያን ንኻልኦት በቲ ክረምሊን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ባይቶ ሩስያ፡ ብግዳማውያን ሓይልታት ዝምወሉን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኢዶም ዘታኣታትዉ ተባሂሎም ንዝኽሰሱ ትካላትን ዝዋሃብ ሽም ኮይኑ፡ በዚ ገበን ተሓታቲ ዝኸውን ትካል ድማ፡ ሓፍ ንዘይብል ናይ ካሕሳ ክፍሊት ከምዝቃላዕ ተሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ካብ 1989 ጀሚሩ ንናይ ፖለቲካ እሱራት መሰል ዝቃለስን ምስ OVD-Info ተሓጋጋዚ ዝነበረን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ትሕቲ ዓይኒ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሩስያ ኣትዩ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነዚ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ትካል ብሓይሊ ንኸዕጽዎ ይጽዕር ከም ዘሎ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።