ጻዕሪ እኳ እንተሃለወ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝህሉ ጒድለት መማህራን ዓብዪ ሽግር ምዃኑ ቤኮት ሬድዮ ዝገበሮ ዳህሳስ ይሕብር። ቅድሚ ምጅማር እዚ ሓድሽ ወቕቲ ትምህርቲ ክጅመር ካብ ሰሙን ዝውሕድ ግዜ ተሪፍዎ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ብዙሓት ምምሕዳራት ከተማ ሕጂ’ውን ሕጽረት መማህራን ምህላዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ካብዘን 22 ምምሕዳራት ከተማ ሕቶታት ሬድዮ ዝመለሱ 56 ሚእታዊት ዝኾኑ ሰባት ሕጽረት መማህራን ምህላዉን እዚ ድማ ዓብዪ ሽግር ምዃኑን ገሊጾም ኣለዉ። ሕጽረት መማህራን ኣብ ሎሚ ጥራይ ዘይኮነ ንዝመጽእ ሒደት ዓመታት እውን ዝውሰን ከም ዘይኮነ ብዙሓት ምምሕዳራት ከተም ከም ዝኣምኑ ኣብቲ ዳህሳስ ተገሊጹ’ሎ። ካብዘን ንሕቶ ዝመለሳ 129 ምምሕዳራት ከተማ ኲነታት ቊጽሪ መማህራን ከምቲ ናይ ዓሚ እዩ፡ክብላ እንከለዋ 17 ምምሕዳራት ከተማ ግና እቲ ኲነታት ኣዝዩ እናኽፍአ ምምጽኡ ገሊጸን ኣለዋ።
ብመሰረት እዚ ዳህሳስ 70 ሚእታዊት ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን መማህራን ንምቚጻር ኣብ ምስራሕ ምህላወን ኣብያተ ትምህርቲ ማልም ኸኣ ክሳብ ናይ 20 መማህራን ሕጽረት ከም ዘለዎ ብተወሳኺ ተገሊጹ’ሎ።