መንግስቲ፥ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሽወደን ብንፋስ ጸዓት ዘፍርያ ተርባይነት ክህነጻ ዝብል ውጥን ደጊፉ። እዘን ካብ ቫልበር
ውጽእ ኢለን ኣብ ሃናንድ (ካውንቲ ፋልከምበሪ) ዝህነጻ ዘለዋ 100 ናይ ንፋስ ተርባይናት፥ ኣብ ዓመት 6.5 ቴራዋት ኣወር ጸዓት
ኤለትሪክ ብምምንጫው፥ ክንዲ መበልጸጊ ኑክሌር ዝኸውን መጠን ከፍርያ እየን ዝብል ትጽቢት ተጌሩለን ኣሎ።
ገለ ካብዚ ዕማም፥ ብመንግስቲ ብዝውነን ኲባንያ ፋተንቫል ዝህነጽ ኮይኑ፥ ክሳብ 80 ተርባይናት ክተክል እዩ። እቲ ዝተረፈ
ማለት ብ ኲባንያ ተሓዳሲ ጸዓት ሽወደን OX2 ክሳላጥ እዩ። ይዂንምበር፥ እዚ ህንጻ ኣብ ኣከባቢ ዕንወት ከውርድ እዩ ክብላ
ዝተፈላለያ ውድባት ኣከባቢ ሻቕላአን ይገልጻ’ለዋ። እዘን ናይ ንፋስ ጸዓት መመንጨዊ ተርባይናት ዝህነጸሉ ዘሎ ከባቢ፥ ብዙሓት
ኣራዊትን ኣዕዋፍን ዝርከቡሉ ብምዃኑ ዕቀባዊ ቆላሕታ ክግበረሉ፥ እዘን ውድባት ኣተሓሳሲበን ኣለዋ።
“ነዊሕ ዝጠመተ ረብሓታት ክሊማ ቀዳምነት ዝስራዕ እዩ” ክብል፥ ቀ/ሚ ኡልፍ ክሪስተርሾን ነቲ ብጒጅለታት ኣከባቢ ዝመጸ
ሻቕላ መልሲ ሂቡሉ’ሎ።