ኣብ ምብራቕ ዩክሬይን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ጥራይ 3000 ምግሃስ ምቊራጽ ተዂሲ ከም እተዓዘቡ ተዓዘብቲ ውድባት ጸጥታን ምትሕብባርን ኣውሮጳ ገሊጾም።
እዚ ኣብዚ ዓመት እተራእየ ዝለዓለ ኣሃዝ ምግሃስ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሩስያ ነተን ክልተ ተፈንጨልቲ ኣውራጃታት ምብራቕ ዩክሬይን ሉሃንስን ዶነስክን ኣፍልጦ ቅድሚ ምሃባን ናብዘን መንግስታት ዓቃብ ሰላም እዩ ዝበለቶ ሰራዊት ቅድሚ ምልኣኻን ከም ዝተኸስተ እቶም ውድባት ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ።
ክሳብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝነበረ ሓበሬታ እቲ ከባቢ ብምእካብ ዝተሰነደ መዓልታዊ ጸብጻብ OSCE ከም ዘመልክቶ ኣብ ዶነስክ 1100 ነተጒቲ ሓዊስካ ክሳብ 2,158 ዝከውን ምግሃጽ ምቊራጽ ምፍጻሙ ጸብጺቡ’ሎ። ኣብ ለካቲት 18 ን 20ን ኣብ ሉሃንስክ ከኣ 926 ነተጒቲ ሓዊስካ 1073 ምግህስ ምቊራጽ ተዂሲ ምፍጻሙ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ እቲ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ጸብጻብ ማለት 975 እንክነጻጸር ዓብዪ ወሰኽ
ምዃኑ ወሲኹ ጸብጺቡ።