ትማሊ ምሸት ኣብ ማእከል ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ እንዳ ሻሂ ምፍንጃ ኣጋጢሙ። በቲ ፍንጀራ ዝሞተ ሰብ የለን፡ ሓደ ሰብ ግን ቀሊል
መጉዳእቲ በጺሕዎ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ’ሎ። እቲ ተፈንጃሪ ርሽት (ባንገር) ወይ ኣየር-ቦምብ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ ክብሉ
ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወን ፖሊስ ምስ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠሙ ክልተ ምፍንጃራት ምትእስሳር
ኣለዎ እንተኾይኑ ይርእዩ ምህላዎም ሓቢሮም።