ሓደ ወዲ 17 ዓመት ጀርመናዊ በጻሒ (ቱሪስት) ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሮማ ዝርከብ መንደቕ ኮሎስየም እናበላሽወ ከም
ዝተታሕዘ ተገሊጹ። ኣብ መናድቕ እዚ ጥንታዊ ቦታ ብበጻሕቲ ምጽሓፍን ዕንወትን ስሩዕ ተርእዮ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። እዚ
ጀርመናዊ ኮተቴ ብ ካሜራታት ምክትታታል ከም እተቓልዐን፡ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ናይዚ ኣብ ውርሻታት ዩኔስኮ እተመዝገበ ስራሓት
ሕጡብ ምብልሻው ብምፍጻሙን ናብ ፖሊስ ጥርዓን ተጌሩሉ’ሎ። እዚ ኮተቴ ጥንታዊ ህንጻ ኣበላሽዩ ብዝብል ገበናዊ ክሲ
ክቐርበሉ ይኽእል እዩ።
ብተመሳሳሊ ዜና ዝሓለፈ ብዓርቢ፡ ሓንቲ ስዊዘርላንዳዊት መንእሰይ ኣብቲ መንደቕ ‘N’ ዝብል ፊደል እናቐረጸት ብቪድዮ
ተቐዲሓ’ላ። እታ ጓል 17 ዓመት መንእሰይ፡ ምስ ወለዳ ምብጻሕ እናፈጸመት፥ ንውሽጣዊ መንደቕ እናበላሸወት ብሓደ ኢጣልያዊ
መራሒ ዑደት ተራእያ፡ ንሰራሕተኛታት ኮሎስየምን ፖሊስን ከም እተስተለመት ተፈሊጡ። እቲ መራሒ ዑደት እታ መንእሰይ እቲ
ዝገበረቶ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ንወለዳ ምስ ሓበሮም፡ “ህጻን ቆልዓ እያ፥ እንታይ ኣቢሳ” ከም ዝበልዎ ገሊጹ’ሎ። እቶም ስድራቤት
ሮማ ናብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ከም ዝተወስዱ ጋዜጣ “ላ ሪፓብሊካ” ጸብጺባ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ እውን ካልእ
በጻሒ ኣብ መንደቕ ኮሎስየም “ኢቫን+ሄይሊ 23” ዝብል ሕንጣጥ ብምራጹ፥ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ኮይኑ ምባሩ
ዝፍለጥ እዩ።