Skip to content
- ክለብ ኣርሰናል ን ተኸላኻላይ ባርሰሎና ፈረንሳዊ ሳሙኤል ኡሙቲ
ንምስግጋሩ መስርሕ ጀሚራ ። ክለቡ ንመስርሕ ምስግጋት ክውን ንምግባሩ
40 ሚልዮን ፓውንድ ሓቲታ ኣላ። telegragh
- ኣርሰናል ኣብ ሃገሩ ሊግ ብራዚል ዝንኣድ ብቕዓት ዘንጸባርቕ ዘሎ ተኽላኻልይ ክልብ ግረሚንዮ ዋልተር
ካንማን ብ 10.5 ሚልዮን ፓውንድ ንምፍራም ተዳልያ ኣላ። the sun
- ሞሮካዊ ኣጥቓዓይ ኣያክስ ሓኪም ዛይች ኣብ ክረምቲ ጋንትኡ ናብ መሸጣ ብምውርዳ ክለባት ኣርሰናል፣ባየርሙኒክን
ሊቨርፑልን ንምስግጋሩ ምንቅስቃስ ጀሚረን። Mirror
- ክለብ ርያል ማድሪድ ነዚ ሱርበተኻዊ ለውጢ ንምትግብራ ናይ ዓለምና ክብረወሰን ብዝሰበረ ዋጋ ን ብራዚላዊ
ነይማርን ንምስግጋር ማዕጾ ክልብ ፒኤስጂ ክንኩሕኻሕ ጀሚራ። Mirror
- ክለብ ሊቨርፑል ንምስግጋር ሚምፊስ ዲፔይ ክውን ንምግብር ሉእኻታ ናብ ፈርንሳ ብምልኣኽ ኣብ ግጥም
ሊዮን ማርሰይ ንብቕዓቱ ክትዕዘቦ ምኻኑ ሓቢራ። Telegraph
- ሳንታ ካዞሮላ ድሕሪ 4 ዓመታት ዳግማይ ጻዊዕት ሃገራው ጋንታ ረኺቡ ንይ ቅድም ተጻዋታይ ኣርሰናል
ካዘሮላ ብዝወርዶ ተደጋጋሚ መስበሪ ዳርጋ ካብ ኩዑሶ ንምፍናው ተቓሪቡ ዝነብረ እዩ። ኣንተኾነ ናብ ቪላሪያል ዳግማይ ተመሊሱ ብዘ
ኣንጸባርቖ ብቕዓት ን የዕንቲ ኣሰጣሊኒ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ልዊስ ኤንሪከ ብምስሓቢ ምስ እታ ጋንታ ክጽንበር ክኢሉ።
mirror
- ማንቸስተር ዩናይትድን ፒኤስጂን ንተጻዋታይ ክለብ ሊል ኒኮላስ ፔፔ ንምፍራም ከቢድ ምትህልላኽ የራእያ
ኣለዋ። ኣብ ሊግ 1 ፈረንሳ ብ 20 ሾቶታትን 13 ን ሸቶ ዝኾና ኹዓሳሱ ብምቕራብ ደሚቑ ዘሎ ኒኮላስ ብ ክለቡ 70 ሚልዮን ፓውንድ
ተገሚቱ ኣሎ። le parisien
- ንግጥም ፍጻሜ ኤውሬጳ ሊግ ኢጣልያዊ ዳኛ ጁዋንሉካ ሮቺ ክመርሖ ሙኻኑ ተሓቢሩ።