ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ኣብ መላእ ሽወደን ዝግበር ናይ ባቡር ጉዕዞታት ብ 25% ከምዝነከየን እዚ ድማ እቲ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞታት ከምዝወሓደ ኩባንያ SJ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ካብን ናብን ከባቢታት ሽወደን ዝንቀሳቐሱ ገያሾ ቁጽሮም ብዓቢ ደረጃ ከምዝወሓደ ወሃብ ቃል እታ ኩባንያ፡ ዳን ኦሎፍሶን ገሊጹ። ናይ ባቡር መጓዓዝያ’ታ ኩባንያ ኣብ ቀንዲ መስመራት ዘገልግላ ኮይነን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ሰዓት ናይ ጉዕዞ ኣገልግሎት ይህባ ከምዝነበራ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፡ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰዓታት ክኸውን፡ ወይ ድማ ናይ ለይቲ መጓዓዝያታት ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ ግዜ መዓልቲ ግን ቀዳማይ ጉዕዞ ናይ ንግሆ ካልኣይ ድማ እዋን ፋዱስ ክኸውን ምዃኑ እቲ ወሃብ ቃል ብተወሳኺ ገሊጹ።
ምጉዳል ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ምስ ብዝሒ ተጠቀምቲ ብምንጽጻር ጠንቂ ዕልቕልቕ (ጽቕጥቕጥ) ክኸውን ከምዘይክእል ኦልፍሰን ይግምግም። ናይ ሰዓል ምልክታት ዘርኣዩ ሰራሕተኛታት ኣብ ገዝኦም ክተርፉ ይግባእ ዝብል መምርሒ መንግስቲ ድሕሪ ምትሕልላፉ ብሰንኪ ዋሕዲ ሰራሒ ኣካል ኣብ ምሕደራ መጓዓዝያታት ጸገም ከምዘጋጠመ እታ ኩባንያ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ ሓቢራ። ብዙሓት ኣባላት እታ ኩባንያ ብናይ ሓማም ፍቓድ ወይ ድማ ዝሓመሙ ደቆም ንኽኣልዩ ኣብ ገዝኦም ከምዝተረፉ ብተወሳኺ ሓቢራ። ኩባንያ SJ ነቶም ኣቐዲሞም ትኬት ዘቑረጹ ገያሾ ዓማዊላ መተካእታ መጓዓዝያ ከተዳልወሎም ወይ ድማ ገንዘቦም ክትመልሰሎም ምዃና ኣገጋጊጻ። ኖርወይን ደኒማርክን ዶባተን ድሕሪ ምዕጻወን እቲ ናብ ኦስሎን ኮፐንሃገንን ተወጢኑ ዝነበረ ጉዕዞታት ብምልኡ ከምዝተቛረጸ ተፈሊጡ ኣሎ።