ኣብ መላእ ሽወደን ንዝግበር ጥሕሰት ትራፊክ ዝዳረግ መቕጻዕቲ ብመንገዲ ኣብ ሞባይል ናይቶም ሰራሕተኛታት ዝተጻዕነ ፕሮግራም ክፍጸም ምዃኑ ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ፕሮግራም ዝኾነ ብኢድ ተጻሒፉ ዝኣቱ ሓበሬታ ከይተጸበየ፡ ናብቲ ሕጊ ዝጠሓሰ ሰብ ብቐጥታ ናይ መቕጻዕቲ ቅብሊት ከምዝሰድድ ተፈሊጡ ኣሎ።
እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት ነቲ ብፖሊስ ትራፊክ ዝዕመሙ ተወሰኽቲ ስራሓት ዝያዳ ግዜ ንምሃብ ከምዝሕግዝን ንናይ መቕጻዕቲ ኣገባባት ዘቃላጥፍን እዩ። እቲ ኲባንያ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ ኣፕሊኬሽን ፖሊስ ትራፊክ ኣብ ዘሳልጥዎ ናይ ቊጽጽር ዕዮ ግዜ ከም ዝቚጥብ ተሓቢሩ’ሎ። እቲ ኣፕሊኬሽን ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ስራሕ ምጅማሩን ኣብ ሳመር ኲሎም ፖሊስ እታ ሃገር ነዚ ኣገባብ ምጥቃም ከም ዝቕጽሉን ተፈሊጡ።