ኣብ መላእ ሃገር ሽወደን ዝርከባ ከተማታት ተሓጋገዝቲ ነርሳት ብሓሙስ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይደን። ብዙሓት ተሓጋገዝቲ ነርስ ብስርሐን ሕጉሳትን ዕጉባት ከምዘይኮና ብምጥቃስ፣ ዝሓሸ ደሞዝን ናይ ስራሕ ሰዓታትን ንክህልወን ብምጥላብ እየን ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይደንኦ።
እዘን ተቓወምቲ ኣብዚ ጽድያ ማለት ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚረን እየን ብመንገዲ ፌስቡክ ክተኣኻኸባ ብምጅማር። መንግስቲ ነቲ ኣብ ምሕብሓብ ኣረጋውያን ዝጠፍእ ዝነበረ ተወሳኺ ገንዘን ብምስሓቡ ከምዝተወጽዓ ዝገለጻ።፡ 14 ሽሕ ሰባት ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም ኣለዉ። ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሌና ሄልግረን ድማ ብሓሙስ ነቲ ዝተኣከበ ኣስማት ከምዝተቀበልቶ ተፈሊጡ’ሎ።