ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት ናይ 2020፡ ኣስታት 173 ገበናት ስርቂ ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ከምተፈጸሙ መዝገባት ሽወደናዊ ኣሃዱ ምክልኻል ገበናት ይሕብሩ። ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣስታት 31 ተመሳሰልቲ ናይ ስርቂ ገበናት ምፍጻሞም ይዝከር።
ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት፡ ኣብ መብዛሕትኡ እዋናት “ኣይፋል” ክብሉ ዓቕሚ ስለዘይብሎም፡ ግዳያት ናይ ገበናውያን ጉጅለታት ይኾኑ ክብል ኣባል ንጉዳያት ስነኣእምራዊ ስንክልና ዝከታተል ማሕበር (FUB) ዝኾነ ክሪስተር ኢክቤሪ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።
ካብ ወርሒ መጋቢት፡ ቅልውላው ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ ከምዚኦም ዓይነት ገበናት ክስዕርሩ ምርኣይ፡ ኣብ መንጎ ገበናትን ምስፍሕፋሕ ኮሮናን ዘይበጻሕናዮ ምትእስሳር ክህሉ ይኽእል እዩ ክብል ካብ ኣሃዱ ምክልኻል ገበናት፡ ያን ሎንድቢክ፡ ገሊጹ።
ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት፡ ካብ ቤተሰቦም፡ የዕሩኽቶምን ጎረባብቶምን ሓገዛት ስለዘድልዮም፡ ሓገዝቲ ተመሲሎም ነዚ ኩነት ዝምዝምዙ ሰባት ምህላዎም፡ ሎንድቢክ፡ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።