ኣብ ሽወደን ዝርከባ ዓሌታውያን ውድባት፡ እገዳ ይገበረለን’ዶ ኣይገበረለን ንዝብል ውሳኔ ንኸተጽንዕ ዝተመዘዘት ኮሚቴ፡ ንህላውነት ዓሌታውያን ውድባት ኣብ ሽወደን፡ ብዝምልከት ተቓውሞ ከምዘይብለን ብብዝሒ ድምጺ፡ እታ ኮሚቴ፡ ውሳነኣ ከምዘመሓላለፈት ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሰልፍታት ሶሻል ዲሞክራትና፡ ሰንተርን ሚልዮፓርትየትን፡ ዓሌታውያን ውድባትን ኣብ ዓሌታዊ ምንቅስቓስ ምስታፍን ንዝብሉ ነጥብታት ብዝምልከት፡ ክእገድ ኣለዎ ክብላ ድምጸን ክህባ እንከለዋ፡ ሰልፍታት ቬንስተር፡ ስቬርያ ዲሞክራትናን ሊበራልን ግን ንኽልቲኡ ነጥብታት፡ ክእገድ የብሉን ዝብል ድምጺ ሂበን። ሰልፍታት ሞደራትናን ክሪስ ዲሞክራትናን ግን ዓሌታውያን ውድባት፡ ክእገዳ የብለንን፡ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዓሌታዊ ምንቅስቓስ ምስታፍ ግን ከም ገበን ክቑጸር ከምዝግባእ ብዝብል፡ ድምጸን ኣስሚዐን ኣለዋ።