ሃገረ ህንዲ፡ 8800 ሰባት ብቀዛፊ ሕማም “ጸሊም ፋንገስ” ከም እተለኽፉ ገሊጻ’ላ።
እዚ ብሙክሮሚኮሲስ እናተባህለ ዝፍለጥ ሳሕቲ ዝረአ ሕማም፡ 50% ናይ ምቕታል ዕድል ከም ዘለዎን ገለ ሰባት ሓንቲ ዓይኖም ጐልጒልካ ብምውጻእ ጥራይ ከም ዝድሕኑን ቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ እዚ ሕማም ከም እተራእየን፡ ብፍላይ ድማ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ነዚ ዝያዳ ተቓላዕቲ ምዃኖምን ዶክተራት ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ሕማም ኮቪድ ንምክንኻን ካብ ዘገልግል፡ ኣስተሮይድስ፡ ዝብገስ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ሕማም፡ ግዳያት ኮቪድ ድሕሪ ምሕዋዮም ኣብ 12 ክሳብ 18 ኣብ ዘለዋ መዓልታት ከም ዝረኣዮም ዶክተራት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ዛጊት 15 ዞባታት ህንዲ፡ እዚ ሕማም ከም እተራእየን ገሊጸን እኳ እንተሃለዋ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ጉጃራትን ማሃራሽትራን እዚ ሕማም ብብዝሒ ተራእዩ ምህላዉ እዩ ዝገለጽ ዘሎ። በዚ ድማ 29 ዞባታት ህንዲ እዚ ሕማም ለበዳ ምዃኑ ክእውጃ ተነጊርወን ኣሎ።
ነዚ ሕማም ብፍሉይ ንምሕካም ተባሂለን ዝተዳለዋ ኣብያተ ሕክምና፡ ብቕልጡፍ ይመልኣ ምህላወን ዶክተራት ኣመልኪቶም። እዚ ሕማም ንሓንጎልን ሳናቡእን ዘጥቅዕ ኮይኑ ብፍላይ ሕማም ሽኮር፡ ካንሰርን HIV/ AIDS ን ንዘለዎም ሰባት ከም ዘጥቅዕ ተመልኪቱ’ሎ።